bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Song of Solomon 7
Song of Solomon 7
Amharic Tigrinya 2011
1
ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሱላሚት፡ ክንርእየኪ ተመለሲ፡ እስኪ ተመለሲ። ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም፡ ንሳዶ ኸም ናይ መሃናይም ደበላ ትስዕስዕ አላ እያ፡
2
ኣቲ ጓል መስፍን፡ ኣእጋርኪ፡ ጫማ ምስ ገበራ፡ ክንደይ ይጽብቓ፡ ቅርጺ ሕቖኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ እተሰርሔ ስልማት እዩ።
3
ሕምብርትኺ እተሖሰ ወይኒ ዘይጎድሎ ኸቢብ ጽዋእ እዩ። ከርስኺ ብዕምበባ እተኸበ ምህርቲ ስርናይ እዩ።
4
ክልቲኣን ኣጥባትኪ ኸም ማንቲ መሓስእ ሜዳቑ እየን።
5
ክሳድኪ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ፡ ኣዒንትኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገጹ ዚርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ።
6
ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፡ ጸጉሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡ ንጉስ ብቑኖኺ ተአስረ።
7
ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደታስ ክንደይ ትፍተዊ።
8
እዚ ቑመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል።
9
ኣብ ስየ ኽድይብ፡ ችጨናፍራ ኸአ ክሕዝ እየ፡ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ ጨና እስትንፋስኪ ኸአ ከም ትርንጎ ይኹነለይ፡
10
ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስ፡ ናብተን ዚድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ።
11
ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ሃረርታኡ ኸአ ናባይ እዩ።
12
ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ ኣብ ዓድታት ንሕደር።
13
ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጠዑ፡ ጎጉማ እንተ ነቒዑ፡ ሮማን እንተ ዐምቢቡ ኽንርእስ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፡ ኣብኡ ፍቕረየ ክህበካ እየ።
14
ናይ ፍቕሪ ትርንጉ መአዛኡ ይህብ። ኣታ ፍትወይ፡ ንኣኻ ኢለ ዝዐቖርክዎ፡ በብዓነቱ ሓድሽን ብሉይን ክቡር ፍረ ኣብ ደጌታትና አሎ።
← Chapter 6
Chapter 8 →