bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Song of Solomon 8
Song of Solomon 8
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣየ፡ ወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓውይ እንተ ትኾነለይ፡ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኸበካ፡ ምስዐምኩኻ ነይረ፡ ሓደ እኳ ኣይምነዐቐንን።
2
መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእቶኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡ ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቔ መስቴኹኻ።
3
ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የመነይቱ ኸአ ትሐቑፈኒ።
4
ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን ኣሎኹ።
5
እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኩሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፡ ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጎ ኣንቃሕኩኻ፡ ኣብኡ ኣዴኻ ወለደትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ።
6
ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንኣታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።
7
ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍእ ኣይክእልን። ወሓይስ ከአ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ኹሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዩም ምነዐቕዎ ነይሮም።
8
ጡብ ዘይውጽኤት ንእሽቶ ሓብቲ አላትና፡ እትድለየላ መዓልቲ ክንገብረላ ኢና፡
9
ቀጽሪ እንተ ኾነት፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ፡ ደገ እንተ ኾነት ከአ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና።
10
ኣነ ቑጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከአ ከም ግምብታት እየን፡ ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኮንኩ።
11
ሰሎሞን ኣብ በዓልኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸአ ንሓለውቲ ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሀቦም።
12
እታ ናተይ ዝኾነት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣብ ቅድመይ እያ፡ ዎ ሰሎሞን፡ ሽሕ ንኣኻ እዩ፡ ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን።
13
ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡ እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ አለው፡ ንኣይ ኮታ ኣስምዕኒ።
14
ኣታ ፍትወየ፡ ቀልጥፍ፡ ኣብ ምኡዝ ኣኽራን ከአ
15
ከም ሜዳቑ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን።
← Chapter 7