bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Song of Solomon 6
Song of Solomon 6
Amharic Tigrinya 2011
1
እቲ ሐላፋ ኹለን ኣንስቲ እትጽብቒ ፈታዊኺ ናበይ ከይዱ እዩ፡ ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ፡
2
ፍትወይሲ ናብ ገነቱ፡ ኪጓስን ዕምበባታት ሹሻን ኪእክብን፡ ናብ ገነት፡ ናብ ክፍሊ ኣታኽልቲቐመም ወሪዱ አሎ።
3
ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ፍትወይ ከአ ናተይ እዩ፡ ንሱ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ይጓሲ ኣሎ።
4
ኣቲ ፍትውተየ፡ ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ከም ዮርሳሌም ባህ እትብሊ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ ተፍርሂ ኢኺ።
5
ኣዒንትኺ ኣፍርሄናኒ እየን እሞ፡ ንንየው ምለስየን፡ ጸጉሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
6
ኣስናንኪ ኸም ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኹለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።
7
መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።
8
ንንግስታት ስሳ፡ ዕቁበት ሰማንያ፡ ኣዋልድ ከአ ቑጽሪ ዜብለን እየን።
9
ግናኸ ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡ ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡
10
እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ፡
11
ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፡ ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ሮማንውን እንተ ዐምቢቡ ኽርኢ፡ ናብ ኣታኽልቲ ኻዕካዕ ወረድኩ።
12
ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቕመጠትኒ።
13
ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቕመጠትኒ።
← Chapter 5
Chapter 7 →