bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 99
Psalms 99
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ኣህዛብ ይርዐዱ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።
2
እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፡ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።
3
ቅዱስ እዩ እሞ፡ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ፡
4
ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፡ ንስኻ ቕንዕና ኣጽናዕካ። ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።
5
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ።
6
ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱ፡ ሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ ንሱውን መለሰሎም።
7
ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፡ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ።
8
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፡ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፡ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም።
9
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ።
← Chapter 98
Chapter 100 →