bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 98
Psalms 98
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፡ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
2
እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፡ ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ።
3
ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፡ ኲሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረኣየ።
4
ኣቲ ምድሪ ዂልኺ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን ኣመስግኑን።
5
ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፡ እወ፡ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ።
6
ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።
7
ባሕርን ምልኣቱን፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን የድህዩ።
8
ንምድሪ ኺፈርዱ ይመጽእ፡ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፡ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፡ ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።
← Chapter 97
Chapter 99 →