bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 97
Psalms 97
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ምድሪ ትተሐጐስ፡
2
ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፡ ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።
3
ሓዊ ቐቅድሚእሪ ይኸይድ፡ ንጸላእቱ ኣብ ዙርያኡ የንድዶም።
4
መባርቑ ንዓለም ኣብርሄ፡ ምድሪ ርእያቶ ኣንቀጥቀጠት።
5
ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዂሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ።
6
ሰማያት ንጽድቁ ኣውረዩ፡ ኲሎም ኣህዛብ ድማ ክብሩ ረኣዩ።
7
ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኲሎም ይሕፈሩ። ኲሉኹም ኣማልኽቲ፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም በሉጅ።
8
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፡ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።
10
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፡ እከይ ጽልኡ፡ ነፍሲ ቕዱሳን ይሕሉ፡ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።
11
ብርሃን ንጻድቃን፡ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።
12
ኣቱም ጻድቃን፡ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፡ ንቕዱስ ስሙውን ኣመስግንዎ።
← Chapter 96
Chapter 98 →