bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 94
Psalms 94
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፡
2
ኣታ ፈራድ ምድሪ፡ ተንስእ፡ ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም።
3
ክሳዕ መኣዝ እቶም ረሲኣን፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም?
4
ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ ኣለዉ።
5
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፡ ንርስትኻውን የጨንቕዎ ኣለዉ።
6
ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፡
7
እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ።
8
ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ?
9
እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ? ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ እዩ?
10
ነህዛብ ዚቐጽዕ፡ ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ?
11
እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።
12
ዎ እግዚኣብሄር፡ ጒድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኲዐት፡ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፡ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።
14
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፡ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።
15
ፍርዲ ኣብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ኲሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም።
16
ኣብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስኣለይ? ኣብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ?
17
እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፡ ነፍሰይ ኣብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ።
18
ጐይታየ፡ እግረይ ኣንደልሀጸ ምስ በልኩ፡ ጸጋኻ ደገፈኒ።
19
ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
20
ከም ሕጊ ኢና። እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ?
21
ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፡ ንንጹህ ደም ድማ ይዂንንዎ ኣለዉ።
22
እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፡ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።
23
ዓገቦም ኣብ ርእሶም ይመልስ፡ ብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ።
← Chapter 93
Chapter 95 →