bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 92
Psalms 92
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፡ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።
4
ዎ እግዚኣብሄር፡ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፡ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።
5
ዎ ጐይታይ፡ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፡ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ።
6
ዳንደ ኣይፈልጦን፡ ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።
7
ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዮም።
8
ጐይታየ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ።
9
ጐይታየ፡ እንሆ ጸላእትኻ፡ እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ ኣለዉ እሞ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይ ኪብተኑ እዮም።
10
ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዐልካዮ፡ ብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ።
11
ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶም፡ ኣእዛነትይውን ብናይቶም ዚትንስኡኒ ኽፉኣት ተሐጒሰን ይሰምዓ።
12
ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ።
13
እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።
14
እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፡ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፡ ይረውዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፡ ኣብኡውን ዓመጻ የልቦን።
← Chapter 91
Chapter 93 →