bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 91
Psalms 91
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፡
2
ንእግዚኣብሄር፡ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፡ እብል ኣሎኹ።
3
ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፡ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፡
4
ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፡ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
5
ካብ ስምባድ ለይቲ፡ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፡
6
ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፡ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ።
7
ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፡ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፡ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ።
8
በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ።
9
ጐይታይ፡ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፡
10
እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፡ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።
11
ኣብ ኲሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፡
12
እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።
13
ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፡ ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።
14
ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ።
15
ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፡ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፡ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።
16
ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።
← Chapter 90
Chapter 92 →