bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 90
Psalms 90
Amharic Tigrinya 2011
1
ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።
2
ኣኽራን ከይተወልደ፡ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፡ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ።
3
ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ፡ እናበልካ፡ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣሎኻ።
4
ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፡
5
ከም ከውሒዝ ትገፎም፡ ከም ትኽስታ እዮም፡ ከምቲ ብጊሓት ዚልማልም ሳዕረ፡
6
ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፡ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ።
7
ብዂራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፡ ብቚጥዓኻውን ሰምቢድና።
8
ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፡ ንሕብእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቚሞ ኣሎኻ።
9
ብዘሎ መዓልትታትና ብቚጥዓኻ ይሐልፍ፡ ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን ኣሎና እሞ፡
10
መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፡ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፡ ቀልጢፉ ይሐልፍ፡ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
11
ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ፡ ንሓይሊ ኲራኻን ንቚጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ?
12
ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።
13
ጐይታይ፡ ተመለስ፡ ክሳዕ መኣዝ? ንባሮትካ ምሐሮም።
14
ኲለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፡ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።
15
ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን፡ ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሐጒሰና።
16
ግብርታትካ ንባሮትካ፡ ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ።
17
ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፡ እወ፡ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።
← Chapter 89
Chapter 91 →