bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 87
Psalms 87
Amharic Tigrinya 2011
1
መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳን ኣኽራን እያ፡
2
እግዚኣብሄር ካብ ኲሉ ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ።
3
ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ።ሴላ።
4
ካብተን ዚፈልጣኒ፡ ረሃብን ባቢሎንን ምስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፡ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።
5
ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ኪበሀል እዩ፡ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።
6
እግዚኣብሄር ነህዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፡ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፡ ኢሉ ኪቘጽር እዩ።ሴላ።
7
እናደረፉን እናሳዕስዑን፡ ኲለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፡ ኪብሉ እዮም።
← Chapter 86
Chapter 88 →