bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 86
Psalms 86
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣቢሄር፡ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ እዝንኻ ኣድንን፡ ምለሰለይውን።
2
ሄር እየ እሞ፡ ንነፍሰይ ሐልዋ፡ ኣታ ኣምላኸየ፡ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ።
3
ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፡ ጐይታየ፡ ምሐረኒ።
4
ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጒሳ።
5
ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ንዜእውዩ ዂላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፡
6
ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7
ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፡ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ።
8
ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፡ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።
9
ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኲሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፡ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።
10
ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።
11
ዎ እግዚኣብሄር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሀረኒ፡ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።
12
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሶኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።
14
ዎ ኣምላኽ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።
15
ጐይታየ፡ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፡ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።
16
ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፡ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፡ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ።
17
ዎ እግዚኣብሄር፡ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፡ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይ።
← Chapter 85
Chapter 87 →