bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 88
Psalms 88
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምድሓነይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን ኤእዊ ኣሎኹ፡
2
ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።
3
ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፡ ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ ኣላ።
4
ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተቘጺረ፡ ሓይሊ ኸም ዜብሉ ሰብኣይ እየ፡
5
ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፡ ካብ ኢድካ እተቘርጹ፡ ኣብ ጒድጓድውን ዚድቅሱ ቕቱላት ኣብ ማእከል ምዉታት ተደርቤኹ።
6
ኣብ ዓሚቚ ጒድጓድ፡ ኣብ ጸልማት፡ ኣብ መዓሙቚ ኣንበርካኒ።
7
ቊጥዓኻ ይኸብደኒ ኣሎ፡ ብዂሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ።ሴላ።
8
ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፡ ብኣታቶም ፍንፋን ገበርካኒ፡ ተዐጽየ፡ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ።
9
ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ።
10
ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ? ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም?ሴላ።
11
ኣብ መቓብርካ ሳህልኻ፡ ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ?
12
ተኣምራትዶ ኣብ ጸልማት፡ ጽድቅኻውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ?
13
ጐይታየ፡ ኣነ ግና ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ ኣሎ።
14
ጐይታየ፡ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፡ ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ ኣሎኻ?
15
ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፡ ፍርሃትካ ተሰኪመስ፡ ተስፋ እቘርጽ ኣሎኹ።
16
ሓቂ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፡ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።
17
ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፡ ሐቢሮም ኣብ ዙርያይ ኣለዉ።
18
ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፡ መሓዛይ ጸልማት እዩ።
← Chapter 87
Chapter 89 →