bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 85
Psalms 85
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፡ ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም።
2
ኣበሳ ህዝብኻ ሐደግካ፡ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ። ሴላ።
3
ንዂሉ መዓትካ ኣርሐቕካዮ፡ ካብ ንደት ቊጥዓኻ ተመለስካ።
4
ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምለሰና፡ ንዂራኻውን ካባና ኣትርፎ።
5
ንዘለኣለምዶ ኽትኲርየልና? ኲራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንሕ ኢኻ?
6
ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ?
7
ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሀበና።
8
ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር፡ ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ።
9
ብሓቂ ኣብ ሃገርና ኽብሪ ኺሐድርሲ፡ ምድሓኑ ነቶም ዚፈርህዎ ቐረባኦም እዩ።
10
ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ።
11
ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ፡ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ።
13
ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡ ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።
← Chapter 84
Chapter 86 →