bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 84
Psalms 84
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን።
2
ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፡ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።
3
ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡ ለዃዂቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፡ መሰውኢታትካ፡ ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን።
4
ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ብጿን እዮም፡ ኲሉ ጊዜ ይውድሱኻ።ሴላ።
5
ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፡ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።
6
ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም ኣዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ።
7
ካብ ሓይሊ ናይ ሓይሊ ይኸዱ፡ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።
8
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል። ሴላ።
9
ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፡ ርኤ፡ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት።
10
ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፡ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።
11
እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፡ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።
12
ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
← Chapter 83
Chapter 85 →