bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 83
Psalms 83
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ዓባስ ኣይትኹን፡ ዝግ ኣይትበል።
2
እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ እሞ፡
3
ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ።
4
ህዝቢ ኸይኰኑ፡ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ ንዑ፡ ነጽንቶም፡ ይብሉ ኣለዉ።
5
ሐቢሮም ተማኺሮም፡ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፡
6
ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን ኣጋራውያንን፡
7
ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፡ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፡
8
ኣሶር ድማ ሐቢርዎም፡ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ሴላ።
9
ከምቲ ንምድያን፡ ንሲሰራ፡ ንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።
10
ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡ፡ ንምድሪ ኸኣ ድዂዒ ዀንዋ።
11
ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡ ኢሎም ኣለዉ እሞ፡ ንኽቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም።
13
ኣምላኸይ፡ ከም ህቦብላ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም።
14
ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ ሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፡
15
ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡ ብዘራጊቶኻ ድማ ኣሸብሮም።
16
ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ኺደልዮስ፡ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ።
17
ንዘለኣልም ይነውሩን ይሸበሩን፡ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።
18
ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።
← Chapter 82
Chapter 84 →