bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 81
Psalms 81
Amharic Tigrinya 2011
1
ንኣምላኽ፡ ነቲ ሓይልና፡ እልል በሉሉ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ።
2
መዝሙር ኣልዕሉ፡ ከበሮም ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ።
3
እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፡ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፡ ብሰርቂ ወርሒ፡ ብምልኣት ወርሒ፡ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።
5
ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣብ የሴፍ ምስክር ገይሩ ኣቘሞ። ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ ኣሎኹ፡
6
ንመንኲቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎ፡ ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፉ።
7
ብጸበባ ኣእዌኻ፡ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፡ ኣብ ነጒዲ ተሰዊሩ መለስኩልካ፡ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ። ሴላ።
8
ዎ ህዝበይ፡ ክምስክረልካስ ስማዕ፡ ዎ እስራኤል፡ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ።
9
ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከልካ ኣይኹን፡ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ።
10
ኣነ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፡ ኣፍካ ሃህ ኣብል፡ ኣነውን ክመልኦ እየ።
11
ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፡ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን።
12
ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱ፡ ኣብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም።
13
ኣየ፡ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፡ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ።
14
ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፡ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ።
15
ንእግዚኣብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፡ ዘመኖም ከኣ ንዘለኣለም ምዀነ።
16
ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፡ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።
← Chapter 80
Chapter 82 →