bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 80
Psalms 80
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤት እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽ።
2
ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን ስልጣንካ ኣተንስእ፡ ንምድሓንናውን ንዓ።
3
ዎ ኣምላኽ፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።
4
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዂሪ?
5
እንጌራ ንብዓት ኣብላዕካዮም፡ ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም።
6
ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣሎኻ፡ ጸላእትናውን የላግጹልና ኣለዉ።
7
ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።
8
ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ።
9
ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት።
10
ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑ፡ ጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ።
11
ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ውልዶታት ኸኣ ክሳዕ እቲ ርባ ዘርግሔት።
12
ኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ኪቕንጥብዋስ፡ ስለምንታይከ ሓጹር ዘፍረስካ?
13
ናይ ዱር መፍለስ ይፍልሳ፡ እንስሳ መሮርውን ይጓሰይዋ ኣለዉ።
14
ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ተመለስ፡ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ርኤ፡ እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፡ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፡ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም።
16
ብሓዊ ነዲዳ ተበትከት። ብተግሳጽ ገጽካ ይጠፍኡ ኣለዉ።
17
ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የማነይትኻ ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ወዲ ሰብ ትኹን።
18
ሽዑ ኻባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና፡ ህይወት ሀበና፡ ብስምካውን ክንምህለል ኢና።
19
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።
← Chapter 79
Chapter 81 →