bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 79
Psalms 79
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣትዮም፡ ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፡ ንየሩሳሌምውን ኲምራ እምኒ ገበርዋ።
2
ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሀብዎም።
3
ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን።
4
ንጐረባብትና ነውሮም ንጐረባብትና ዘለዉ ኸኣ ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና።
5
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዘውቲርካ እትዂሪ፡ ቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዚነድድሲ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
6
ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ።
8
ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።
9
ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
10
ስለምንታይከ ኣህዛብ፡ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዚብሉ? እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይፈለጥ።
11
ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።
12
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንጐረባብትና እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፡ ናብ ሕቚፎም ምለሰሎም።
13
ንሕና ግና፡ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሴኻን ዝዀንና፡ ንዘለኣለም ክነመስግነካ፡ ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና።
← Chapter 78
Chapter 80 →