bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 75
Psalms 75
Amharic Tigrinya 2011
1
ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ አሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተኣምራትካ የዘንትውዎ።
2
ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎ ቅኑዕ ክፈርድ እየ።
3
ምድርን ኣብኣ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ። ሴላ።
4
ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም።
5
ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።
6
ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣
7
ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።
8
ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ አሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።
9
ኣነ ግና ንዘለኣለም እዚ ኸዘንቱ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፣
10
ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።
← Chapter 74
Chapter 76 →