bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 74
Psalms 74
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፣ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፣
2
ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፣ ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር።
3
ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለኣለም ዑና ኣልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ አሎ።
4
ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ።
5
ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሎ ሰብ ይመስሉ።
6
ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ።
7
ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፣ ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም።
8
ብልቦም፣ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፣ በሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን።
9
ምልክትና ኣይንርአን፣ ነቢዪ የሎን፣ ክሳዕ መኣዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን።
10
ዎ ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፣ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፣
11
ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይትኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳ፣ ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም።
12
ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ።
13
ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።
14
ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም።
15
ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ።
16
መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ንትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገብርካየን።
17
ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።
18
ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፣
19
ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፣ ህይወት መሳኪንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ።
20
እቲ ዝጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ አሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት።
21
እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፣ መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ።
22
ዎ ኣምላኽ፣ ተንስእ፣ ነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር።
23
ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፣ ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል አሎ።
← Chapter 73
Chapter 75 →