bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 73
Psalms 73
Amharic Tigrinya 2011
1
ብሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል፣ ነቶም ንጹህ ልቢ ዘለዎም ሰናይ እዩ።
2
ኣነ ግን ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፣ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ።
3
ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ፣ ንደፋራት ቀናእኩሎም።
4
ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣
5
ጸገማ መወትቲ የብሎምን፣ ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን።
6
ስለዚ ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም፣ ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም።
7
ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፣ ሓሳባት ልቦም ይግንፍል።
8
የላግጹ፣ ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፣ ካብ ላዕሊ ይዛረቡ አለዉ።
9
ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉ፣ መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ።
10
ስለዚ ህዝቡ ናብዚ ይምለስ፣ ካብኦምውን ብዙሕ ማይ ይሰቲ።
11
ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፣ ልዑልከ ፍልጠትዶ አለዎ እዩ፣ ይብሉ አለዉ።
12
እንሆ፣ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ሀዲኦም፣ ሃብቲ ይውስኹ አለዉ።
13
ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፣ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዐ እየ እሞ፣ እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፣ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ።
14
ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፣ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዐ እየ እሞ፣ እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፣ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ።
15
ከምኦም ክዛረብ እየ፣ ኢለ እንተ ዝኸውንሲ፣ ንወለዶ ውሉድካ ምጠለምኩ ነይረ።
16
ነዚ ኽስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።
17
ነዚ ኽስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።
18
ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም፣ ናብ ጥፍኣት ተውድቖም።
19
ከመይከ ብድንገት ባደሙ፣ ጸነቱ፣ ብስምባድውን ተወድኡ።
20
ከም ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ፣ ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስ ነቓሕካ፣ ንምስሎም ከምኡ ኽትንዕቆ ኢኻ።
21
ልበይ ምስ መረረ፣ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ፣
22
ዐሾኹ፣ ደንቈሮውን ነበርኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ።
23
ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣ ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፣
24
ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።
25
ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን አሎኒ፣ ንኣኻ ኻብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዚደልዩ የብለይን።
26
ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።
27
እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም።
28
ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።
← Chapter 72
Chapter 74 →