bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 7
Psalms 7
Amharic Tigrinya 2011
1
ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣
2
ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣
3
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፣ ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እተ አልዩ
4
ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣
5
እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣ ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፣ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ።
6
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ተንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣ ንስኻ ፍርዲ አዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ።
7
ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ።
8
እግዚኣብሄር፣ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ።
9
ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣’ ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፣ ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ።
10
ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም።
11
ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ።
12
ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣ ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።
13
መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፣ ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ።
14
እንሆ፣ ንእከይ የቕለሉ፣ ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።
15
ጕድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣ ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ።
16
ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስ፣ ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ።
17
ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ።
← Chapter 6
Chapter 8 →