bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 6
Psalms 6
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።
2
ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።
3
ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ፣
4
ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5
ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፣
6
ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ብመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ።
7
ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትኣርግ አላ።
8
እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።
9
እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10
ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።
← Chapter 5
Chapter 7 →