bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 8
Psalms 8
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
2
ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ።
3
ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣
4
እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፣
5
ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ።
6
ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣
7
ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ እንስሳታት በረኻውን
8
ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።
9
ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →