bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 5
Psalms 5
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ።
2
ናባኻ እጽሊ አሎኹ ኣሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ።
3
ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ።
4
ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።
5
ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
6
ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።
7
ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።
8
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ።
9
ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ።
10
ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም።
11
ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ ኣጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለኣለም እልል ይበሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ።
12
ንጻድቕ ትባርዀ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።
← Chapter 4
Chapter 6 →