bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 59
Psalms 59
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቝመኒ።
2
ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣ ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ።
3
እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጸናተውዋ አለዉ እሞ፣ ጐይታየ፣ ብኣበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሐቢሮም ዘለዉ።
4
ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፣ ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።
5
ጐይታይ፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፣ ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር። ሴላ።
6
ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
7
መንከ ዚሰምዕ አሎ፣ እናበሉ፣ እንሆ፣ ኣፎም ይግንፍል፣ ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ አሎ።
8
ግናኸ ጐይታየ፣ ንስኻ ኽትስሕቆም፣ ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።
9
እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ።
10
ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፣ ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ።
11
ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ኣታ ጐይታና፣ ዋልታና፣ ብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም።
12
ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፣ ስለቲ ዚዛረብዎ መርገምን ሓሶትን ብትዕቢቶም ይተሐንኰሉ።
13
ብዅራካ ኣጥፍኣዮም፣ ኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኺፈልጡስ፣ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም። ሴላ።
14
ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
15
መብልዕ ደልዮም ይዛውኑ፣ ከይጸገቡ ኸኣ ይሐድሩ አለዉ።
16
ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣ ንስኻ እምባ፣ ብመዓልቲ ጸበባይውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣ ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል አሎኹ።
17
ኣምላኽሲ እምባይ፣ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ንኣኻ ምስጋና እዝምር አሎኹ።
← Chapter 58
Chapter 60 →