bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 60
Psalms 60
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ደርቤኻና፣ ፋሕ ኣበልካና፣ ኰሬኻ። ምለሰና።
2
ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ አላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን።
3
ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፣ ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና።
4
ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። ሴላ።
5
ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።
6
ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወት፣ ንሴኬም ክመቕሎ፣ ንለሰ ሱኰትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ።
7
ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ከኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።
8
ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤም፣ እልል በልለይ።
9
ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፣ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፣
10
ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፣ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፣
11
ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና።
12
ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።
← Chapter 59
Chapter 61 →