bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 58
Psalms 58
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡ፣ ሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፣
2
ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደኣ ትብድሉ፣ ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ።
3
ረሲኣን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፣ ሓሰውቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ።
4
ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።
5
ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።
6
ዎ ኣምላኽ፣ ኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮ፣ ጐይታየ፣ ኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ።
7
ከም ዚኵዖ ማይ ይከዐዉ። ፍላጻታቱ እንተ ገተረን፣ ይጕደማ።
8
ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚመክኽ ኣረነ፣ ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።
9
ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦ፣ ህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ።
10
ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስ፣ ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ።
11
ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ አለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ አሎ፣ ኪብሉ እዮም።
← Chapter 57
Chapter 59 →