bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 57
Psalms 57
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቍብ አላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።
2
ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ አሎኹ።
3
ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ፣ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ ሴላ። ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ።
4
ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መልሓሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ አሎኹ።
5
ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6
ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻወዱለይ፣ ነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። ሴላ።
7
ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።
8
ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
9
ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
10
ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣
11
ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
← Chapter 56
Chapter 58 →