bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 56
Psalms 56
Amharic Tigrinya 2011
1
ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ።
2
ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ።
3
በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል።
4
ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፣
5
ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይከራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።
6
ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም ኣሞ፣ ስጕምተይ ይስልዩ አለዉ።
7
ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፣ ዎ ኣምላኽ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም።
8
ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፣
9
በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ አሎኹ።
10
ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ አሎኹ።
11
ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፣
12
ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።
13
ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።
← Chapter 55
Chapter 57 →