bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 55
Psalms 55
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሓባእ።
2
ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፍዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቝዝማይ ህድኣት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ።
3
ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፍዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቝዝማይ ህድኣት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ።
4
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ።
5
ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ።
6
ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ፣ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ።
7
እንሆ፣ ኣርሒቐ ምሀደምኩ፣ ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ። ሴላ።
8
ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ።
9
ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ፣ ኣጥፍኣዮም፣ መላሕሶም ፈላሊ።
10
ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፣ በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ።
11
ሕሰም ኣብ ውሽጣ አሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።
12
ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኽውንሲ ምተሐባእኩ፣
13
ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ።
14
ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና።
15
እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ።
16
ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል አሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ።
17
ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቝዝም እህህውን እብል አሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።
18
ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ።
19
ኣይልውጡን፣ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ። ሴላ።
20
ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ።
21
ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተምሰተ ኣስያፍ እዩ።
22
ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጐን።
23
ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቝ ጕድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሜኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግን ኣባኻ እውከል አሎኹ።
← Chapter 54
Chapter 56 →