bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 47
Psalms 47
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።
2
ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
3
ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም።
4
ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና። ሴላ።
5
ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ።
6
ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።
7
ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ።
8
ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ።
9
መሳፍንቲ ኣህዛብሲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ አለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ።
← Chapter 46
Chapter 48 →