bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 46
Psalms 46
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።
2
ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። ሴላ።
3
ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። ሴላ።
4
ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ።
5
ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።
6
ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹ፣ ድምጹ ኣስምዔ፣ ምድሪ መኸኸት።
7
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። ሴላ።
8
ንዑ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፣
9
ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።
10
ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።
11
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። ሴላ።
← Chapter 45
Chapter 47 →