bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 48
Psalms 48
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፣ እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ።
2
ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፣ ሓጐስ ኵላ ምድሪ፣ ብውበታ ልዕል ትብል።
3
ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
4
እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡ፣ ሐቢሮም ሐለፉ።
5
ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ።
6
ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም።
7
ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቅ ትሰባብረን።
8
ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ። ሴላ።
9
ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ።
10
ዎ ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።
11
ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፣ ኣዋልድ ይሁድ እልል ይብላ።
12
ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱ፣ ግምብታታ ቝጸሩ።
13
ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፣ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ።
14
እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።
← Chapter 47
Chapter 49 →