bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 43
Psalms 43
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ።
2
ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፣ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ እኸይድ አሎኹ፣
3
ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።
4
ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
5
ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፣ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
← Chapter 42
Chapter 44 →