bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 44
Psalms 44
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣምላኽ እቲ ቐደም ብዘመናቶም ዝገበርካዮ ግብርስ ኣቦታትና ኣዘንትዮምልና፣ በእዛንና ሰሚዕናዮ።
2
ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፣ ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፣ ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋን፣ ብቕልጽሞምውን ኣይደሐኑን እሞ፣ ነህዛብ ብኢድካ ሰጕጒካ፣ ንኣታቶም ተኸልካ፣ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፣ ንኣታቶም ኣግፋሕካ።
3
ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፣ ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፣ ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋን፣ ብቕልጽሞምውን ኣይደሐኑን እሞ፣ ነህዛብ ብኢድካ ሰጕጒካ፣ ንኣታቶም ተኸልካ፣ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፣ ንኣታቶም ኣግፋሕካ።
4
ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፣ ምድሓን ያእቆብ አዝዝ።
5
ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከል፣ ሰይፈይውን ኣይኬድሕነንን እዩ እሞ፣ ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፣ ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም።
6
ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከል፣ ሰይፈይውን ኣይኬድሕነንን እዩ እሞ፣ ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፣ ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም።
7
ካብ ተጻረርትና ዘድሐንካና፣ ንጸላእትናውን ዘሕፈርክዮምሲ ንስኻ ኢኻ።
8
ኵሉ መዓልቲ ብኣምላኽ ንሕበን፣ ንስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን።
9
ሕጂ ግና ደርቢኻና ኣሕፊርካናውን፣ ምስ ሰራዊትና ድማ ኣይትወጽእን ኢኻ።
10
ካብ ተጻራሪ ኣምለስካና፣ ጸላእትናውን ዘመቱና።
11
ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሀብካና፣ ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፣
12
ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካ፣ ብዋጋኡ ኣይረባሕካን።
13
ንጐረባብትና መጻረፊ፣ ኣብ ዙርያና ንዚነብሩ ኸኣ መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና።
14
ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሶም መነቕነቒ ገበርካና።
15
ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፉኑኒ አሎ።
16
ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፉኑኒ አሎ።
17
እዚ ዅሉ በጽሓና። ግናኸ ኣይረሳዕናካን፣ ኪዳንካውን ኣይጠለምናን።
18
ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፣ ብጽልሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን።
19
ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፣ ብጽልሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን።
20
ስም ኣምላኽ ረሲዕና፣ ኣእዳውና ናብ ጓና ኣምላኽ ዘርጊሕና እንተ ንኸውንሲ፣
21
ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ፣
22
ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና።
23
ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፣ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና።
24
ንምንታይከ ገጽካ እትኽውል፣ መከራናን ጸበባናን እትርስዕ፣
25
ነፍስና ናብ ሓመድ ደኒና፣ ስጋና ኣብ ምድሪ ጠቢቑ እዩ እሞ፣
26
ንረዲኤትና ተንስእ፣ ምእንቲ ሳህላውን ኣድሕነና።
← Chapter 43
Chapter 45 →