bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 42
Psalms 42
Amharic Tigrinya 2011
1
እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ አላ።
2
ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ አላ፣ መኣዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፣
3
ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፣ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።
4
ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘርከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት።
5
ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
6
ዎ ኣምላኸይ፣ ንፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ አላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ አሎኹ።
7
ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቝ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፣ ሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ።
8
እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፣ ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ አሎ፣ ንኣምላኽ ህይወተይውን እልምን።
9
ኣነ ንኣምላኽ፣ ከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፣ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድ፣ እብሎ አሎኹ።
10
ኵሉ መዓልቲ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፣ እናበሉ፣ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዚቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ።
11
ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
← Chapter 41
Chapter 43 →