bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 41
Psalms 41
Amharic Tigrinya 2011
1
ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ።
2
እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ።
3
ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።
4
ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።
5
ጸላእተይ፣ መኣዝ ኰን ኪመውት፣ መኣዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፣ ኢሎም ብኣይ ክፉእ ይዛረቡ አለዉ።
6
ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ።
7
ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽዅ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ አለው።
8
ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽዅ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ አለው።
9
እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀንኡ ኣልዐለለይ።
10
ንሳኻ ግና፣ ጐይታየ፣ ምሐረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንስኣኒ።
11
ጸላእየይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ።
12
ንኣይስ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለኣለም ተንብረኒ አሎኻ።
13
እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣልም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን።
← Chapter 40
Chapter 42 →