bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 28
Psalms 28
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ።
2
ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
3
ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ።
4
ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም።
5
ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ።
6
እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዀኖ።
7
እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
8
እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡእውን ዕርዲ ምድሓን እዩ።
9
ንህዝብኻ ኣድሕኖ፣ ንርስትኻ ድማ ባርኰ፣ ጓስዮም፣ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም።
← Chapter 27
Chapter 29 →