bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 27
Psalms 27
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፣ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፣
2
ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ።
3
ኪቃወመኒ ኢሉ ኢኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት አሎኒ።
4
ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሓብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፣ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።
5
ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሓብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፣ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።
6
ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳንውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብ፣ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ።
7
ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይ።
8
ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ፣ ይብለኒ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።
9
ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፣ ንባርያኻ ብቝጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይ፣ ኣይትጠንጥነኒ፣ ኣይትሕደገኒ።
10
ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።
11
ዎ እግዚኣብሄር፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ።
12
ሓሰውቲ ምስክርን ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎምኒ እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ።
13
ኣየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርእዮ እንተ ዘይአምንሲ …
14
ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
← Chapter 26
Chapter 28 →