bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 29
Psalms 29
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ።
2
ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ፣ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ።
3
ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
4
ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፣ ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ።
5
ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ።
6
ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም፣
7
ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ።
8
ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ።
9
ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ።
10
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ።
11
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርዀ።
← Chapter 28
Chapter 30 →