bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 16
Psalms 16
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ሐልወኒ።
2
ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ።
3
ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ።
4
ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውኡን። ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።
5
እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ።
6
ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ፣
7
ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርዀ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን።
8
ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ።
9
ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።
10
ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።
11
ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና አሎ።
← Chapter 15
Chapter 17 →