bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 17
Psalms 17
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጽድቂ ስምዓዮ፣ ናብ ጥርዓነይ ኣቕልብ፣ ናብቲ ኻብ ከንፈር ጥበራ ዘይመጸ ጸሎተይ እዝንኻ ምለስ።
2
ፍትሔይ ካብ ገጽካ ይውጻእ፣ ኣዒንትኻ ንቕንዕና ይርአያኣ።
3
ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።
4
ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፣ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዐቂበ።
5
ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፣ ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን።
6
ዎ ኣምላኽ፣ ትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ እጽውዓካ፣ እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ንዘረባይ ጽን በሎ።
7
ነቶም ካብ ተጻረርቶም ኣብኻ ዜዕቍቡ፣ ንስኻ ብየማናይ ኢድካ እተናግፎም፣ እቲ ዜደንቕ ሳህልኻ ኣርእዮም።
8
ካብቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ረሲኣን፣ ካብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይሲ፣ ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዐቅበኒ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።
9
ካብቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ረሲኣን፣ ካብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይሲ፣ ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዐቅበኒ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።
10
ንልቦም ብስብሒ ይዐጽውዎ፣ ብኣፎም ትዕቢት ይዛረቡ አለዉ።
11
ኣስኣሰርና ስዒቦም ሕጂ ይኸቡና፣ ናብ ምድሪ ኼውድቑና ኣዒንቶም የፍጥጡ አለዉ።
12
ነቲ ኺሰላልዕ ዚምነ ኣንበሳ፣ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል።
13
ዎ እግዚኣብሄር፣ ተለዐል፣ ግጠመሉ፣ ኣውድቖ። ንነፍሰይ ካብ ረሲእ ብሴፍካ ኣናግፋ።
14
ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፣ ከብዶም ብመዝገብካ እትመልእ፣ ውሉዶም ዝበዝሑሎም፣ ተረፎም ከኣ ንሕጻውንቶም ዚሐድጉ ሰባት፣ ብኢድካ ኣድሕነኒ።
15
ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፣ ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ።
← Chapter 16
Chapter 18 →