bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 15
Psalms 15
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፣ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፣
2
እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣
3
ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣
4
እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ኰነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣
5
ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።
← Chapter 14
Chapter 16 →