bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 14
Psalms 14
Amharic Tigrinya 2011
1
ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።
2
ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3
ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4
እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣ ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፣
5
እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ዓብዪ ፍርሃት ሒዝዎም።
6
ንምኽሪ ጥቑዕ ተቋናጽብዎ አሎኹም፣ ግናኸ እግዚኣብሄር መዕቈቢኡ እዩ።
7
ኣየ፣ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኤል እንተ ዚመጽእ። እግዚኣብሄር ምርኰ ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፣ ሽዑ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤልውን ባህ ኪብል እዩ።
← Chapter 13
Chapter 15 →