bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 149
Psalms 149
Amharic Tigrinya 2011
1
ሃሌሉያ።
2
እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ፡ ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ።
3
ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፡ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።
4
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፡ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም።
5
ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፡ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ።
6
ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፡ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፡ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፡ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፡ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዂሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ።
← Chapter 148
Chapter 150 →