bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 148
Psalms 148
Amharic Tigrinya 2011
1
ሃሌሉያ። ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ።
2
ኲሉኹም መላእኽቱ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፡ ኣመስግንዎ።
3
ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ኣመስግንኦ፡ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፡ ኣመስግንዎ።
4
ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፡ ኣመስግንዎ።
5
ንሱ ኣዚዙ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6
ንዘለኣለም ኣለም ኣቘሞም፡ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም።
7
ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ፡ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኲሉኹም፡
8
ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡
9
ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኲሉኹም፡ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኲሉኹም፡
10
ኣራዊትን ኲላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፡
11
ነገስታት ምድርን ኲላትኩም ኣህዛብን፡ መሳፍንትን ኲላትኩም ፈረድቲ ምድርን፡
12
ኣጒባዝን ጐራዙትን፡ ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ።
13
ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፡ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
14
ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፡ ስለዚ ዂሎም ቅዱሳኑ፡ ደቂ እስራኤል፡ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፡ የመስግኖ ኣሎ።
← Chapter 147
Chapter 149 →