bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 147
Psalms 147
Amharic Tigrinya 2011
1
ሃሌሉያ። ጥዑም እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግባእ።
2
እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።
3
ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቚሳሎም ይዘንን።
4
ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፡ ንዂላቶም በብስሞም ይሰምዮም።
5
ጐይታና ዓብዪ እዩ፡ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፡ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።
6
እግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎም፡ ንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖም።
7
ንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉ፡ ንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ።
8
ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡
9
ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ።
10
ንሓይሊ ፈረስ ኣይብሀጎን፡ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፡
11
እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፡ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ።
12
መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፡ ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ፡ ዎ ጽዮን፡ ንኣምላኸኪ ወድሲ።
14
ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብር፡ ብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ።
15
ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፡ ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ።
16
ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብ፡ ንኣስሓይታ ኸም ሓመዂስቲ ይብትኖ።
17
ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፡ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውም?
18
ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ፡ ንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙ።
19
ቃሉ ንያእቆብ፡ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ።
20
ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፡ ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን።
← Chapter 146
Chapter 148 →