bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 146
Psalms 146
Amharic Tigrinya 2011
1
ሃሌሉያ።
2
ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።
3
ብመሳፍንቲ፡ በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።
4
ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።
5
ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፡ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ።
6
ንሰማይን ምድርን፡ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ዝገበረ፡ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለኣለም ዚሕሉ፡
7
ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።
8
እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፡ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፡ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፡
9
እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፡ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይኣልዮም፡ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ።
10
እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነግስ፡ ዎ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ።
← Chapter 145
Chapter 147 →